ምንጪ፡ Shutterstock / DimaBerlin
ዓንቀጽ

ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ECHR ኣብ IND ንጥርናፈ ስድራቤት ምሕታት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/16/2025 8:06 ቅ.ቀ.

ኣባላት ስድራ ቤትካ ነቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ECHR ዳግመ ጥርና ፈስድራ ቤት ዘድሊ ረቛሒታት የማልኡ ድዮም፧ ድሕሪኡ ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ናይ ECHR ናይ ጥርናፈ ስድራቤት መመልከቲ ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን (IND) ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ገጽ እዚ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ይገልጽ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ECHR ንጥርናፈ ስድራቤት ዝምልከት መመልከቲ ንምቕራብ ክልተ መንገድታት ኣሎ።

ኣብ

ዝተመርኮሰ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ መወዳእታ ግዜ የለን። እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መመልከቲ ምስ ናይ ስድራቤት ጥርናፈ መመልከቲ ብሓንሳብ ከተቕርብ ኣለካ። ብዙሕ ግዜ ኣባል ስድራቤትካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽኦ ትደሊ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 8 EVRM ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ንምቕራብ 2 ኣገባባት ኣለዉ፡ ብኢንተርነት ወይ ብፖስታ። ነቲ ናይ ኢንተርነት ቅጥዒ ንምቕራብ

ኣየድልየካን እዩ። ኣብቲ መርበብ-ሓበሬታ ናብቲ ናይ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒታት ዝብል ገጽ ኪድ፣ ከምኡ እውን ነቲ 'Online aanvraag voor een machtiging tot voorlopig verblijf - gezinshereniging asiel art. 8EVRM' ዝብል ኣማራጺ ምረጽ።

ብፖስታ: "መመልከቲ ቅጥዒ መንበሪ ፍቓድ ንቤተሰብ ምጥርናፍ ዑቕባ " ኣውርድ።

ነቲ መመልከቲ ብኢድካ ክትመልኦን ብፖስታ ክትሰዶን እንተድኣ ደሊኻ፣ ከምኡ ምግባር ይከኣል እዩ። ነቲ መመልከቲ ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ከተውርዶ ማለት ዳውንሎድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ጽሑፋዊ ቅጥዒ B07009 ዝበሃል እዩ።

እዚ መመልከቲ ቅጥዒ 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ዘደናግር እዩ፣ ምኽንያቱ ነዚ ቅጥዒ እዚ ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ናይ EVRM ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ስለዚ ምስ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ፣ ወይ (ናበይቲ) ወለድኻ፣ ወይ ልዕሊ ዕድመ ደቅኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር) ንምምልካት እውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ከተውርዶ ማለት ዳውንሎድ ክትገብሮ እትኽእል 1 ጽሑፋዊ ቅጥዒ ጥራይ እዩ ዘሎ። ስለዚ እዚ ቅጥዒ እዚ፣ ነቲ ናይ ዳግመ-ውህደት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ምስ መጻምድትኻን ትሕቲ ዕድመ ደቅኻን)፣ ከምኡ እውን ነቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 8 ናይ EVRM ዝግበር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ምስ ልዕሊ ዕድመ ደቅኻ፣ ኣሕዋትካ፣ ኣሓትካ ወይ (ናበይቲ) ወለድኻ) ንኽልቲኦም ንምምልካት ዝኸውን እዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ IND ኣብ ቅጥዒ B07009 ምስ ትጥውቕ ይኽፈት። ሕጂ ኣብ ላዕለዋይ የማናይ ኩርናዕ ስክሪንካ (ኣብ ጸጋም ናይቲ ናይ ሕትመት ምልክት እዩ ዘሎ) ዘሎ ናይ ምውራድ ምልክት ብምጥዋቕ ከተውርዶ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ኣብ ኮምፒተርካ መሊእካ ድሕሪኡ ክትሕትሞ ትኽእል ወይ ድማ ብኡንብኡ ኣሕቲምካ ብብርዒ ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ። ንነፍሲ ወከፍ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእዎ እትደልዩ ኣባል ስድራቤት እውን ሓያሎ መመላእታታት ክትመልኡ ከምዘለኩም ኣስተውዕሉ። ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት ዝምልከት መመላእታታት ኣብ ታሕቲ ናይቲ ዝወረደ ቅጥዒ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒን ንነፍሲ ​​ወከፍ ኣባል ስድራቤት ዝምልከት መመላእታታትን ምስ መላእካ፡ ኩሉ ሕትመት። ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ፈሪምካ ናብ IND ስደዶ። ከምኡ’ውን ቅዳሕ ናይ ኩሉ ዘድሊ ሰነዳትን ትርጉማትን ኣካትት። መተሓሳሰቢ፡ ምስ ቅጥዒ መመልከቲ ኦርጅናል ሰነዳት ኣይትሕወሱ፡ ቅዳሓት ጥራይ።

ኣስተውዕል፦ እዚ መመልከቲ እዚ፡ ኩሎም ቅጥዕታትን ቅዳሓት ናይቶም ብኣኻ ዝተፈረሙ ሰነዳትን ሓዊስካ፡ ናብ IND ክትሰድድዎ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ክትሰዶ ዘለካ ኣድራሻ ኣብቲ ቅጥዒ ተጻሒፉ ኣሎ። ብዝተመዝገበ ፖስታ ናብቲ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ PostNL ማእኸል ክትሰዶ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ኣስታት 12 ዩሮ ከኽፍለካ እዩ። ዕሹግ ንብረትካ ከም ዝተላእከ መረጋገጺን IND ምስ በጽሖ መረጋገጺን ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ መመልከቲኻ ብIND ከምዝተቐበለ የረጋግጽ።

ድሕሪ ገለ ሰሙናት ነቲ መመልከቲ ምቕራብካ፡ ካብ IND ናይ ምቕባል መረጋገጺ ክመጸካ እዩ።

IND እቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲታትካ ከም ዝበጽሖ የረጋግጽ። IND ንነፍስወከፍ ኣባል ስድራ-ቤትካ ውልቃዊ

፣ ከምኡ እውን ናይ ነፍስወከፍ ኣባል ስድራ-ቤት ናይ መመልከቲ ቁጽሪ ጉዳይን መዲቡ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ምቕባል መረጋገጺ ድማ፣ IND ብዛዕባ መመልከቲታትካ ክውስነሉ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ዕለት ተገሊጹ ይርከብ።

ኣብቲ ናይ ምቕባል መረጋገጺ፣ ኦርጅናል

ንምልኣኽ ዝምልከት መምርሒታት እውን ካብ IND ክትቕበል ኢኻ (ኣስተውዕል፡ ፓስፖርት ወይ ሰነዳት መንነት ኣይትስደድ)። ትርጉማት እውን ክትሰድድ ኣለካ (እቲ ትርጉም ምስ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ይተሓሓዝ)። እዚኦም ናብ
ክትሰዶም ኣለካ። እዚ ቤት-ጽሕፈት ናይ IND፣ እቶም ኦርጅናል ሰነዳትካ ሓቀኛ ምዃንኖምን ዘይምዃኖምን ክምርምሮም እዩ። ብተወሳኺ ክታም ዘለዎ ኦርጅናል ሰነዳትካ ናብ TOED ስደድ፣ ነቲ ኣብ ናይ ምቕባል መረጋገጺ ዝርከብ ሓበሬታትካ ዝሓዘ ጥብቆ እውን ምስኡ ኣጠቓሊልካ። TOED ነቶም ኣብ ፋይልካ ዘለዉ ሰነዳት በዚ ጥብቆ ጥራይ እዩ ክምዝግቦም፣ ክምርምሮምን ከመስርሖምን ዝኽእል።

ድሕሪ እቲ መርመራ፡ TOED ነቶም ሰነዳት ናብ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት IND ክሰዶም እዩ፣ ኣብኡ ድማ እንደገና ክትወስዶም ትኽእል ኢኻ።

መተሓሳሰቢ፡ ኦርጅናል መለለዪ መንነት ብፖስታ ፈጺምካ ኣይትስደድ። ንስኻን ኣባላት ስድራቤትካን መንነትኩም ንምልላይ እዚኦም ከድልየካን እዩ።

ደገፍ ኣብ እዋን ምምልካት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ

ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ናይ ካልእ ውድብ ወይ ጠበቓ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

VWN ነዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል፡

ኣብ መዕቆቢ ቦታ ዝርከብ ናይ VWN ኮንታክትፐርሶንካ እዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል፡

  • ብመሰረት ዓንቀጽ 8 EVRM ንዝቐርብ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ዝሕግዘካ ጠበቓ ኣብ ምድላይ ይድግፈካ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ VWN ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ እዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል፡

  • ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሓበሬታ ይህብ።

  • ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብ ምምላእ ይድግፈካ።

  • ኣብ እዋን መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ክንዳኻ ምስ IND ርክብ ይገብር።

  • ካብ IND ብዛዕባ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ብዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ይድግፈካ።

  • ሓደ ሓደ ግዜ VWN፣ ካብ

    ብዝርከብ ኣበርክቶ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ 'ናይ መመልከቲ ክፍሊታት' ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ንዝገብርዎ ገለ ክፋል ወጻኢታት መጎዓዝያ ዝኽሕስ እዩ።

  • ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑን፣ ኣብ ምምሕርዳር ከተማ ንዓኹም ዝኸውን መንበሪ ገዛ ምስ ዝህሉን፣ ንግብራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ይድግፈካ። ንኣብነት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋትን ኣበልን ኣብ ምሕታት። ወይ ድማ ውዕል መድሕን ጥዕና ኣብ ምግባርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-ትምህርትን ንምምዝጋብን።

  • ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ተነጺጉን፣ ይግባይ ክትብል እንተደሊኻን፣ VWN ጠበቓ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። 



እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር