
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዓንቀጽ 8 EVRM) ዝኾኑ ሰነዳት ምእካብን ከም ዝትርጎሙ ምግባርን
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልክተሉ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ መረጋገጺ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትሰድድ ኣለካ። እዚኦም መንነት ኣባል ስድራ-ቤትካን፣ ኣብ መንጎኻን እቲ ኣባል ስድራ-ቤትካን ዘሎ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናን ስድራ-ቤታዊ ህይወትን ዘረጋግጹ ሰነዳትን እዮም።
ብመሰረት ዓንቀጽ 8 EVRM ንዝግበር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝኸውን ውልቃዊ ሰነዳት ምርካብ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ምስቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ውልቃዊ ሰነዳት ንኸተረክብ ይሓትት እዩ። እዞም ዝስዕቡ ናትካን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካን ሰነዳት ድማ ከተቕርብ ኣለካ፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳእለ ናይ ፓስፖርት ስእሊ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ናይ ፓስፖርት ስእሊ እንተድኣ ዘይብሉን ድዩ? ስለዚ ካልእ ንጹር ናይ ገጹ/ጻ ስእሊ ከተረክብ ትኽእል ኢኻ።
ቅዳሕ ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መረጋገጺ መንነት። እዚ ፓስፖርት እንተኾይኑ ይምረጽ። ናይቲ መረጋገጺ መንነት፣ ብዛዕባ መንነትን ዘገልግለሉ ግዜን ሓበሬታታት ዝሓዙ ገጻት ጸዓኖም ማለት ኣፕሎድ ግበሮም። ነቶም ናይ መገሻ ማሕተማት ዘለዎም ገጻት እውን ኣረክቦም።
ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን
'መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን' ። እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኽ ከም ዘይብሉ ዝሕብረሉ መግለጺ እዩ። መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን ዘድልይ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዕድሚኡ 12 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን
'መግለጺ ኩነት ሓዳር' ። እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብዛዕባ ኩነት ሓዳሩን፣ ከምኡ እውን ንነዊሕ እዋን ቀዋሚ ዝምድና ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝሕብረሉ መግለጺ እዩ። እዚ መግለጺ ዘድልይ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ 15 ዓመትን ልዕሊኡን እንተኾይኑ እዩ።ኣባል ስድራ-ቤትካ፣ ናይ 1 ካብተን ኣብ '
ጥብቆ ሕድገት መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ' ዘይተዘርዘራ ሃገራት ዜግነት ድዩ ዘለዎ? ስለዚ ነቲ 'ጥብቆ መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ናይ ምግባር ዕላማ ' ለኣኮ።ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ናይ ገዛእ-ርእስኻ
'Handtekening upload' ። እዚ MVV ንምርካብ ዝኸውን ቅጥዒ፣ ብኢንተርነት ንዝቐርብ መመልከቲ ጥራይ እዩ ዘድሊ። ነዚ ቅጥዒ ሓቲምካ ከተውጽኦ፣ ባዕልኻ ክትፍርሞን ብድሕሪኡ ብፎቶ ክተልዕሎን ኣለካ። ብድሕሪኡ ነቲ ፎቶ ኣብቲ ብኢንተርነት ዝቐርብ ናይ MVV መመልከቲ ክትጽዕኖ ማለት ኣፕሎድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ነቲ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ብጽሑፍ ቅጥዒ እትገብሮ ኮይንካ፣ እዚ ቅጥዒ እዚ ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ድሮ ነቲ ናይ ጽሑፍ መመልከቲ ቅጥዒ ባዕልኻ ክትፍርመሉ ስለዝኾንካ።
ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዘለካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘርእዩ ሰነዳት ምቕራብ
ብመሰረት ዓንቀጽ 8 EVRM ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልከተሉ እዋን፣ ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ከምዘለካ እውን ከተረጋግጽ ኣለካ። እዚ ድማ በዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ክግበር ይከኣል፡
ንኣሕዋትካ ወይ ንኣሓትካ
ቅዳሕ ናይቲ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘረጋግጽ ኦርጅናል ሰነድ፣ ከም ምስክር ወረቐት ልደት ወይ ናይ ስድራ-ቤት ክብሪ መዝገብ ዝኣመሰለ።
ምሉእ ብምሉእ ዝተመልአ ጥብቆ '
ዝርዝር-ሕቶታት ዳግመ-ውህደት ምስ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ከምኡ እውን 8 EVRM '።
ንናባዪ ወላዲኻ (ናበይቲ ወለድኻ) (AMV ምስ እትኸውን)
ኣብ ኔዘርላንድ ሞግዚትካ መን ምዃኑ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ (ንኣብነት ኣብ Nidos ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ)
ምሉእ ብምሉእ ዝተመልአ ጥብቆ
'ዝርዝር-ሕቶታት ስድራን ስድራ-ቤታዊን ህይወት 8 EVRM '።
ንደቂ ደቅኻ ወይ ንልዕሊ ዕድመ ተናባዪ ውላድካ
ንመንነት ባህርያዊ ወለዲ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዘረጋግጽ ቅዳሕ መርትዖ።
ኣብ መንጎኻን እቲ ቆልዓን ዘሎ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ናይ ዘረጋግጽ ሰነድ ቅዳሕ።
ቅዳሕ ናይቲ ቆልዓ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት፣ ወይ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ቆልዓን ባህርያዊ ወለዲ ናይቲ ቆልዓን ዘሎ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘርኢ ቅዳሕ ካልእ መርትዖ።
ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ጥብቆ ‘
ዝርዝር-ሕቶታት ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ምስ ቆልዓ ’።ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ጥብቆ '
መመልከቲ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት '
ናይቲ እትናብዮ ውላድካ ወይ ወዲ ወድኻ/ጓል ጓልካ ባህርያዊ ወለዲ ሞይቶም ድዮም? ስለዚ ነዚ ዝስዕብ እውን ወስኸሉ፡
ቅዳሕ ናይቲ ቆልዓ ባህርያዊ ወለዲ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት።
ናይቲ ቆልዓ ሞግዚት ምዃንካ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ።
ብዛዕባ እቶም ዘድልዩ ሰነዳት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND እውን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ኣብ፡
ነቶም ሰነዳት ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ኣተርጉሞም
ኩሎም ሰነዳት ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ዝተጻሕፉ ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ሰነዳት ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ ድዮም? ስለዚ እዞም ሰነዳት
'መዝገብ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸሙ ኣተርጎምትን ተርጎምትን (RBTV)'
እቶም ካብኣቶም ክትመርጽ እትኽእል ተርጎምቲ ድማ ኣብ '
ሰነዳትካ ክትርጉመልካ ዝኽእል ተርጓሚ ድለይ። ሰነድካ ካብ ኣየናይ ቋንቋ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጎም ከም እትደልይ ድማ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ተርጓሚ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ስም፣ ኢ-መይልን፣ ቁጽሪ ተሌፎንን ናይቶም ክትረኽቦም እትኽእል ተርጎምቲ ክትዕዘብ ኢኻ። መጀመርታ እቶም ትርጉማት ክንደይ ዋጋ ከም ዝሓቱ ነቲ ተርጓሚ ምሕታት ሓጋዚ እዩ፣ ብኸምዚ ድማ ክንደይ ክትከፍል ከምዘለካ ፈሊጥካ ኣብ ግምት ከተእትው ትኽእል።
ኣስተውዕል፡ እቶም ሰነዳት ኣብ ኔዘርላንድ ቃለ-ማሕላ ብዝፈጸመ ተርጓሚ ክተርጎሙ ኣለዎም። ስለዚ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽእ ትርጉም ቅቡል ኣይኮነን።