
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዓንቀጽ 8 EVRM) ዝኾኑ ሰነዳት ምእካብን ከም ዝትርጎሙ ምግባርን
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልክተሉ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ብዙሕ መረጋገጺ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትሰድድ ኣለካ። እዚኦም መንነት ኣባል ስድራ-ቤትካን፣ ኣብ መንጎኻን እቲ ኣባል ስድራ-ቤትካን ዘሎ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናን ስድራ-ቤታዊ ህይወትን ዘረጋግጹ ሰነዳትን እዮም።
ብመሰረት ዓንቀጽ 8 EVRM ንዝግበር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝኸውን ውልቃዊ ሰነዳት ምርካብ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ምስቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ውልቃዊ ሰነዳት ንኸተረክብ ይሓትት እዩ። እዞም ዝስዕቡ ናትካን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካን ሰነዳት ድማ ከተቕርብ ኣለካ፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳእለ ናይ ፓስፖርት ስእሊ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ናይ ፓስፖርት ስእሊ እንተድኣ ዘይብሉን ድዩ? ስለዚ ካልእ ንጹር ናይ ገጹ/ጻ ስእሊ ከተረክብ ትኽእል ኢኻ።
ቅዳሕ ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መረጋገጺ መንነት። እዚ ፓስፖርት እንተኾይኑ ይምረጽ። ናይቲ መረጋገጺ መንነት፣ ብዛዕባ መንነትን ዘገልግለሉ ግዜን ሓበሬታታት ዝሓዙ ገጻት ጸዓኖም ማለት ኣፕሎድ ግበሮም። ነቶም ናይ መገሻ ማሕተማት ዘለዎም ገጻት እውን ኣረክቦም።
ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን
'መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን' ። እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ሕሉፍ ገበናዊ ታሪኽ ከም ዘይብሉ ዝሕብረሉ መግለጺ እዩ። መግለጺ ድሕረ-ባይታ ገበን ዘድልይ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዕድሚኡ 12 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን
'መግለጺ ኩነት ሓዳር' ። እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ብዛዕባ ኩነት ሓዳሩን፣ ከምኡ እውን ንነዊሕ እዋን ቀዋሚ ዝምድና ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝሕብረሉ መግለጺ እዩ። እዚ መግለጺ ዘድልይ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ 15 ዓመትን ልዕሊኡን እንተኾይኑ እዩ።ኣባል ስድራ-ቤትካ፣ ናይ 1 ካብተን ኣብ '
ጥብቆ ሕድገት መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ' ዘይተዘርዘራ ሃገራት ዜግነት ድዩ ዘለዎ? ስለዚ ነቲ 'ጥብቆ መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ናይ ምግባር ዕላማ ' ለኣኮ።ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ናይ ገዛእ-ርእስኻ
'Handtekening upload' ። እዚ MVV ንምርካብ ዝኸውን ቅጥዒ፣ ብኢንተርነት ንዝቐርብ መመልከቲ ጥራይ እዩ ዘድሊ። ነዚ ቅጥዒ ሓቲምካ ከተውጽኦ፣ ባዕልኻ ክትፍርሞን ብድሕሪኡ ብፎቶ ክተልዕሎን ኣለካ። ብድሕሪኡ ነቲ ፎቶ ኣብቲ ብኢንተርነት ዝቐርብ ናይ MVV መመልከቲ ክትጽዕኖ ማለት ኣፕሎድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ነቲ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ብጽሑፍ ቅጥዒ እትገብሮ ኮይንካ፣ እዚ ቅጥዒ እዚ ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ድሮ ነቲ ናይ ጽሑፍ መመልከቲ ቅጥዒ ባዕልኻ ክትፍርመሉ ስለዝኾንካ።