ቅልጡፋት ሊንክታት
ቅድመ-ኩነታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት
መንበሪ-ቤት ብኸመይ ይረክብ?
ኣብ ኔዘርላድ ትምህርቲ ምምሃር
ኣነ ኣቚሑት እየ ዝደልይ ዘለኹ
ኣርእስታት
ውህደት ስድራቤት
ሲቪካዊ ምውህሃድ
መንበሪ-ቤት
ክንክን ጥዕና
ትምህርቲ
ስራሕ
ገንዘብ
ናብራ ኣብ ኔዘርላንድ
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ
ካልኦት ኣርእስታት
ዕዳጋ
ብዛዕባና
ኩነትካ ቀይር
ቋንቋ ቀይር
TI
ትግርኛ
Tigrinya
ኩሎም ቴማዊ ዓንቀጻት
ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ገዛ ምስ ዝምደበልካ፣ ከትሳልጦም ዘለካ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ጸዓት ውዕል ክትገብር ኣለካ ከምኡ እውን ኣድራሻ ምቕያርካ ከትሕብር ኣለካ። ኣብዚ ገጽ እዚ ዝርዝር ናይ ኩሎም ክትገብሮም ዘለካ ነገራት ክትረክብ ኢኻ።
ምምሕዳር ከተማ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ገዛ ድዩ ኣቕሪቡልካ? ንኣብነት ንስድራ-ቤትካ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዝኾነ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ምናልባት ካልእ ገዛ ክረኽበካ ዝግብኦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ብቚዕ ምኽንያት ክህልወካ ኣለዎ።
ኣብዚ ገጽ እዚ ንቤትካ ብኣቚሑት ንምውቃብ ዝሕግዙ ምኽርታት ክትረክብ ኢኻ።
ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ክራይ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ። ንኣብነት ብማሕበራዊ ጥቕሚ ጥራይ ክትነብር ዘለካ ምስ እትኸውን ወይ ድጎማ ትምህርቲ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ።
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ይመጹኡ ኣለዉ ድዮም፣ ከምኡ እውን ብሓባር ክትነብሩሉ ዘይትኽእሉ ንእሽቶ ገዛ ድዩ ዘለካ? ስለዚ ምምሕዳር ከተማ ካልእ ገዛ ከዳልወልኩም እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ እቲ ትሓድረሉ ዘለኻ መዕቆቢ ኣይዓገብካን ዲኻ? ስለዚ ምስ COA ወይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ክትዘራረብ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትቃወም ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገይርካ ዲኻ? ስለዚ ውልቃዊ ቁጽሪ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ጉዳያትካ ንምስላጥ እዚ ቁጽሪ የድልየካ። ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ቁጽሪ ትረክብ ኣብዚ ኣንብብ።