ክንክን ጥዕና

ሓኪም፣ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ወይ ካልእ ሕክምናዊ ክንክን ትደልይ ኣለኻ ዲኻ? ኣብዚ ገጽ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ብዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ብዛዕባ መድሕን ጥዕና እውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።


መርሓ ውጥን (2)

ሓበሬታ

ክንክን ጥዕና ኔዘርላንድ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ክንክን የድልየካ ድዩ? ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ መጀመርታ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ኢኻ ትኸይድ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ድማ ናብ ካልእ ክንክን ንውከሳ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ። ህጹጽ ክንክን ንምርካብ ጥራይ ኢኻ ብቕጽበት ናብ ናይ ህጹጽ ረድኤት ቁጽሪ ክትድውል ወይ ናብ ነቚጣ ሓካይም ክትከይድ እትኽእል። ክንክን ጥዕና ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ንምንታይ እየ ብዛዕባ ዘለኒ ጸገማት ጥዕና መጀመርታ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክኸይድ ዘለኒ?

ሓፈሻዊ ሓኪም ኣብ ክንክን ጥዕና ኔዘርላንድ ማእከላይ ተራ ኣለዎ። ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ሰባት ናይ መጀመርታ ናይ ርክብ ነቚጣ እዩ። ሓፈሻዊ ሓኪም ስለምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን፣ ኣየኖት ሕቶታት ሒዝካ ናብኡ ክትከይድ ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብሪህናዮ ኣለና።

ዓንቀጽ
ሓፈሻዊ ሓኪም

ኣእምሮኻ ጽቡቕ ምስ ዘይስምዓካን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ንስደት ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ጸቕጢ፣ ድቃስ ምስኣን ወይ ሕማቕ ኣተኲሮ ክህልወካ ዘገርሙ መለለይታት ኣይኮኑን። እዞም መለለይታት ኣካል ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ እዮም። እዚ ዓይነት ጥዕና ከመይ ከም ዝስምዓካ ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዝሓሸ ንኽስምዓካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ሃገራዊ መደብ ክታበት ንደቂ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት

ሃገራዊ መደብ ክታበት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ሕጻናት ኣንጻር ሓደገኛታት ሕማማት ብነጻን ብወለንታን ክታበታት ይህብ። እዚ ንደቂ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት እውን ይምልከት እዩ። እዚ መደብ ክታበት ኔዘርላንድ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ምልጋስ ክፍለ-ኣካል ብኸመይ ይሰርሕ?

ልዕሊ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ እንተወሓደ ን3 ዓመት ተመዝጊብካ እትርከብ ምስ እትኸውንን፣ እዚ ከም ዘይትደልይ ክሳብ ዘይሓበርካ ለጋሲ ክፍለ-ኣካል ኢኻ። ልግሲ ክፍለ-ኣካል ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ለጋሲ ክትከውን ከም ዘይትደልይ ብኸመይ ክትሕብር ከም እትኽእልን ንምፍላጥ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ